እሂናይ ደአ ኣባል ክትከውን ኣሎካ እምበር! (Tigrinja)
ንምንታይ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ክትኸውን ከም ዘለካ ሓሲብካሉ ትፈልጥ’ዶ? እቲ ናይ ኣባልነት ትኸፍሎ ኣማኢት ረብሓ ኣሎዎ ድዩ? እቲ መልሲ እወ እዩ - ብመንገዲ ሓባራዊ ውዕልን ኣባልነት ካብ’ቲ ትኸፍሎ ዝምለሰካ ይበዝሕ።
ኣባል ኢፍ ሜታል ንኽትከውን ዝገብሩ 7 ብቑዓት ምኽንያታት
ብዙሓት ኮይና ምስ እንሓብር፡ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ከም ውሁብ እንወስዶም ግን’ከ ከይረኸብናዮም ክንተርፍ እንኽእል መሰላትን ረብሓታትን ብምልዛብ ክንረኽቦም ንኽእል። ኣባል ኢ.ኤፍ ሜታል ንኽትከውን ዝዕድሙ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። ሒደት ገለ ካብዞም ኣገደስቲ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
1. ኣ-ካሳን ናይ ደሞዝ መድህን(ኢንሹራንስ)
ካብ ስራሕ ምስ እትወጽእ፡ እዚ ናትና ኣ-ካሳ ይኸፍለካ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኣባልነት ናይ ደሞዝ መድህን(ኢንሹራንስ) ከም መመላእታ እቱው እዩ
። ካብ’ቲ መድሕን ትረኽቦ ረብሓ ኣብ’ዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።
2. ርትዓዊ ኵነትን ጽቡቕ ደሞዝን
ሳላ ሓባራዊ ውዕላትና ካልእ ገዲፍካ ጽቡቕን ፍትሓውን ደሞዝ፡ ስሩዕ ወሰኽ ደሞዝ፡ ርትዓዊ ሰዓታት ስራሕ፡ ክፍሊት ትርፊ ሰዓታት፡ ተወሳኺ ክፍሊት ዘይምሹው ሰዓታት ስራሕን ምንካይ ሰዓታት ስራሕን ትረክብ። ስራሕ ደው ምስ ኣበልካ፡ ነቲ ተወሳኺ ናይ ጡሮታ ውዕል ከተስተማቕሮ ክትክእል ኢኻ።
3. ውሑስ ናይ ስራሕ ሃዋህው
ሓደጋታትን ሕማማትን ንምውጋድ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ኣገዳሲ እዩ። ወሃብ ስራሕ ሕጊ ሃዋህዉ ስራሕ ይኽተል ከም ዘሎን ድሕነትካ ጽቡቕ ምህላው ዝረጋግጹ ናይ ድሕነት ወከልቲ ከም ዘለዉ ነረጋግጽ።
4. ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሓገዝን ደገፍን
ካብ ስራሕ ንኽትሰናበት መሰማዕታ ኣብ ዝወሃበካ፡ ኣብ ዳግመ-ሕውየት፡ ኣብ ልዝብ ወሰኽ ደሞዝን ካልእን ምኽሪን ደገፍን ንህበካ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እዉን ሕጋዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ምእንቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ተጠላቢ ዝኾነ ክእለት ክህልወካ፡ ሞያኻ ንኽተማዕብሎ ጻዕርታት ነካይድ ኢና።
5. ኣብ ስራሕን ኣብ ናጻ ግዜን መድሕን ይህልወካ
ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር መጕዳእቲ ይኹን ኣብ ናጻ ግዜኻ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሓመሉ እዋን ብመንገዲ ሓባራዊ ውዕልን መድሕን ናይ ኣባላትን ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣብ ትወስደሉ እዋን ተወሳኺ ክፍሊት ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
6. ጽልዋ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ
ኣብ ብዙሕ ኣገደስቲ ጕዳያት፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ቅድሚ ውሳነ ምውሳኑ ምሳና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘሎና ወከልቲ ኢ.ኤፍ ሜታል ክዛተ ኣለዎ። እዚ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ኣብ ሰዓታት ስራሕን ዕማማትን ዝግበር ለውጥታት፡ ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ደሞዝ ብኸመይ ክውስኽን ክመቓራሕን ከም ዘለዎ ኣብ ዝብሉ ጒዳያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ኣባል ኣብ’ዚ ጒዳይ ብምስታፍ ክትጸሉ ትኽእል ኢኻ።
7. ምስ ንሓብር ንሕይል
በይንኻ ኴንካ ብዛዕባ መሰላትካ ክትሓትት ኣጸጋሚ እዩ። በይንኻ ግን ኣይኮንካን ዘለኻ። 300 000 ኣባላት ኣለና። ሓቢርና ናይ ኵሎም ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ኵነታት ከነመሓይሽን ኣብ ሕብረተ ሰብ ፍትሒ ከነዛይድን ንኽእል ኢና።
ሽወደናዊ ሞደል
ካብ መወዳእታ 1900 ክፍለ ዘመን ኣትሒዘን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ሽወደን፡ ሰራሕተኛታት ጽቡቕ ደሞዝን ርትዓዊ ኵነታት ስራሕን ንኽህልዎም ተቓሊሰን እየን። ሳላ ብዙሓት ኣባላት ሓቊፍና ብደንቢ ዝተወደብና፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ክወዳደር ከሎ ናይ ሽወደን ማሕበር ሰራሕተኛታት ዓቢ ጽልዋ እዩ ዘለወን። እዚ ሓያላት ይገብረና - ሓያላት ስለ ዝኾና እዩ እምበኣር ፖለቲከኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ኵነታትና ጣልቃ ምእታው ዘይድሊ።
መብዛሕትኡ - ካብ ሰዓታት ስራሕን ደሞዝን ክሳብ ጡሮታን መድሕናትን - ምስ ወሃብቲ ስራሕ ባዕልና ኢና ንዛተ። እዚ እዩ እቲ ሓባራዊ ውዕል ዝብሃል።
እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ክንድኡ ኣብ ስርዓተ ድሕንነትን ጠለባት ኣብ ዝደልየና ትምህርትን፡ ማለት ዘተኣማምንን ብቑዓትን ሰራሕተኛታት ዝፈጥር ሰረት ከድህቡ ይኽእሉ።
እዚ መብዛሕትኡ ግዜ “ሽወደናዊ ሞደል” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ሞዴል ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ብዙሓት ክንከውን ይጠልብ። ብደንቢ ብምውዳብ ብዙሓት ኮይና ጠለባትና ምስ ነቕርብ፡ ኣብ ቀጻሊ እውን ሓይል ድምጺ ዘሎናን፡ ርትዓዊ ኵነታትን ጽቡቕ ደሞዝን ዘሎዎ ሓያል ሓባራዊ ውዕል ክንረክብ ንኽእል።
ክንደይ እዩ ዝኽፈሎ?
እቲ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ኣብ ኣታዊኻ ዝተመርኰሰ እዩ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ኢ.ኤፍ ሜታል ዝኽፈል ክፍሊት 1.55 ሚእታዊት ካብ እቶትካ እዩ። በዚ ክፍሊት ኣባልነት፡ ስራሕ ምስ እትወጽእ ኣ-ካሳን ናይ ደሞዝ መድሕንን፡ ከምኡ’ውን ብተወሳኺ ኵሎም ኣብዚ ብሮሹር ሰፊሮም ዘሎዉ ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትንትረክብ።
ከምዚ ዝስዕብ ገርካ ኣባል ኢ.ኤፍ ሜታል ትኸውን
ኣባል ኢ.ኤፍ ሜታል ምዃን ቀሊል እዩ።
ባንክ-ኣይዲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ባዕልኻ ኣብ ifmetall.se ኣቲኻ ንኣባልነት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ንምምልካት ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ምስ ዘሎ ወኪል ማሕበር ሰራሕተኛታት ተወከሶ ወይ ምስ ጨንፈር ኢ.ኤፍ ሜታል ናይ ከባቢኻ ርክብ ግበር።
